
‘ላዕለ ተኵላ ወከይሲ ትጼዐን፡፡ ወትከይድ አንበሳ ወከይሴ። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ትጸዓን ሽደን ኣንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። (መዝ. 91፡፡13)
ኣብ ኃሙሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምድረ ኣግዓዚ መንፈሳዊ ፍሬ ኣገልግሎትን ምንኵስናዊ ሕይወትን ዘፍረዩ ትሽዓተ ቅዱሳን እዮም። ሓደ ካብዞም ቅዱሳን ከኣ ጻድቕ ኣቦና ኣቡነ ኣረጋዊ እዩ። ኣቡነ ኣረጋዊ ትውልድ ሃገሩ ሮም ኮይኑ ካብ ንጉሣዊ ቤተ ሰብ እዩ ተወሊዱ። ወለዱ ኣቦኡ ይስሓቅን ኣደኡ እድናን ፈሪሀ እግዚአብሔር ዝነበሮም ቅዱሳን ነበሩ። ወለዱ ብጥበብን ፍርሃት እግዚአብሔርን፡ ብትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍትን ሥነ ምግባርን ምስ ኣዕበይዎ፡ ገና ሕፃን ከሎነቲ ‘ ንሰብከ ኵሉ ዓለም ረቢሑ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኦ እንታይ ይጠቕሞ’ ማቴ. 10፡26 ዝብል ኣምላኻዊ ቓል መሠረት ብምግባር ምድራዊ ንጉሥነት ገዲፉ ሰማያዊ መንግሥቲ መረጸ።
ካብ ሃገሩ ሮማ ናብቲ ኣባ ጳኵሚስ ዝርከበሉ ዓቢይ ገዳም “ዳውናስ” ዝተባህለ ኸደ። ቅዱስ ኣባ ጳኵሚስ ረድኤት እግዚአብሔር ዝኃደሮ ሕፃን ምዃኑ ብመንፈስ ፈሊጡ ምስ ርኣዮ ኣዝዩ ተሓጐሰ፣ ምኽንያት መምጽኢኡ’ውን ሓተቶ።
ኣቡነ ኣረጋዊ መምጽኢኡ ንምንኵስና ምዃኑ ነገሮ። ኣቡነ ጳኵሚስ ከኣ ‘ዝወደይ ምንኵስና ቐሊል ስለዘይኮነ ኣይትኽእሎን ኢኻ. . . ’ ምስ በሎ፣ ‘አመክረኒ ፈትነኒ’ በሎ። በዚ ተሰማሚዖም፡ ኣቡነ ኣረጋዊ ብጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት፡ ትግሃትን ተራድኦን ልዕሊ ኵሎም ፈለስቲ ኮነ። ኣቡነ ጳኵሚስ ድማ ነዚ ዅሉ ትግሃቱ ርእዩ፡ ኣስኬማ ዘመላእክት ልብሰ ምንኵስና ኣልበሶ። ‘ንምንኵስና ኣቦታተይ ኣባ እንጦንስን ኣባ መቃርስን ዝባረኸ እግዚአብሔር ኣስኬማኻ ይባርኽ’ ኢሉ’ውን መረቖ። ብጣዕሚ ፈታው ጽድቂ ኾይኑ ብጾምን ጸሎትን ተጊሁ የገልግል ስለዝነበረ ካብ ኵሎም መነኮሳት በሊጹ ተራእየ። በዚ ኸኣ እቶም ናይ መንፈስ ኣኅዋቱ ተደኒቖም እዝስ ብጸጋ ዓብዩና ብምባል “ኣረጋዊ” ኢሎም ጸውዕዎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ ዘሚካኤል ዝብል ስሙ ‘ኣረጋዊ’ ብዝብል ስም ተተክአ።
ጻድቕ ኣቡነ ኣረጋዊ ምስቶም ሾሞንተ ቕዱሳን ኮይኑ ነቲ ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ዝተኸስተ ሓድሽ ‘ክልኤ ባህርይ’ ዝብል ትምህርቲ ብምቅዋሙ መከራ ስለዝጸንዖ ናብ ምድረ ኣግዓዚ ተሰዲዱ መጽአ። እዞም ተስዓቱ ቅዱሳን ብሓንሳእ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ስብከተ ወንጌል ንምስፋሕን ሥርዓተ ምንኵስና ንምዝርጋሕን መንፈስ ቅዱስ ነናብ ዝመርሖም ተፈላለዩ። በዚ ኸኣ ንኣቡነ ኣረጋዊ ቦታኡ ካብ ኣክሱም 70 ኪ.ሜ. ንሸነኽ ምሥራቅ እትርከብ ደብረ ዳሞ ኾነት። ደብረ ዳሞ
እምብዛ ነዊኅ ጎቦ ብምዃኑ ንምድያቡ ስለዘጸገሞ፡ ንከደይቦ ናብ እግዚአብሔር ጸለየ። ብተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ከኣ ሠላሳ ሜትሮ ዝቑመቱ ገበል ከደይቦ ተኣዚዝሉ መጽአ። ኣቡነ ኣረጋዊ ነቲ ገበል ‘ጭራኻ ኣውርዶ’ሞ ኣደይበኒ’ በሎ። እቲ ገበል ግና ነቲ ጭራኡ ኣብ ፍርቂ ጸድፊ ጥራይ በጺሑ፡ ብልሳን ሰብ ‘ኣንታ ፈላሲ፡ ኣብዚ እምባ እዚ ብዘይካ ዝነፍሩ ኣዕዋፍ፡ ትበልዖ እንጌራ ይኹን ትሰትዩ ማይ፡ ወይ ድማ ተጽልለሉ ዕንፀይትን ገረብን የልቦን። ብመዓልቲ ፀሓይ፡ ብለይቲ ቍርን ኣሳሓይታን እዩ፡ ናይዚ እምባ’ዚ ጥሪትን ሃብትን እዚኣቶም ጥራይ እዮም’ ክብል ተዛረቦ። ኣቡነ ኣረርዊ ግን ‘ዝተኣዘዝካዮ ጥራይ ፈጽም፡ እግዚአብሔር እቲ ዝደለናዮ ኣየስእነናን’ዩ’ በሎ’ሞ ብኡ ንብኡ ጭራኡ ኣውሪዱ ኣብ መዓንጣ ኣቡነ ኣረጋዊ ብምጥምጣም፡ ብሓንሳእ ኣብ’ቲ ርእሲ እቲ ቅዱስ ደብሪ ኣደየቦ። እዚ ዅሉ እናተፈጸመ፡ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል እቲ ተመን ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ኣረጋዊ ክፉእ ነገር ምእንቲ ከይፍጽምን ከየፍርሖን ብየማናይ ኢዱ ሴፍ መዚዙ ይሕልዎ ነበረ። ረድኡ ኣባ ማትያስን ካልኦት ስዓብቱን’ውን እናረኣዩ ይድነቑን ነበሩ።
ዕለት 12 ጥቅምት ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ዝባን’ዚ ደብሪ ምስ በጽሐ፡ ሠለስተ ጊዜ “ሃሌ ሉያ ለአብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ሃሌ ሉያ ወለመንፈስ ቅዱስ” እናበለ ኣመስገነ። በዚ ኸኣ እዚ ደብሪ’ዚ፡ “ደብረ ሃሌ ሉያ” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ‘ደብረ ዳሞ’ እናተባህለ ዝጽወዓሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ሃጸይ ገብረ መስቀል መደያይቦ ሠሪሑ ንኣቡነ ኣረጋዊ ምስ ረኸቦ፡ ንኣቡነ ኣረጋዊ ‘እዚ መደያይቦ ከፍርሶ ዶ ዋላስ ከም ዘለዎ ይኹን’ በሎ። ኣቡነ ኣረጋዊ ግና መደያይቦ ኪገብረሉ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ እዚ ጌርካዮ ዘሎኻ መደያይቦ “ዳህምሞ (ኣፍርሶ)” ምስ በሎ፡ በዚ “ደብረ ዳህምሞ” ይበሃል ነይሩ፡ ምስ ምንዋኅ ጊዜ ‘ደብረ ዳሞ’ ተባህለ።
ኣቡነ ኣረጋዊ ማኅበር ሓድነት መሥሪቱ፡ ብዙኃት ደቀ መዛሙርት ኣፍረየ። ኣብ ዘመኑ ክሳዕ 659 ዝበጽሑ መናንያን ኣብዚ ደብረ ዳሞ ከምዝነበሩ መጽሓፈ ገድሉ ይነግር። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከምቲ እግዚአብሔር ንቅዱሳኑ ቃል ኪዳን ዝኣትወሎም ንኣቡነ ኣረጋዊ ድማ ኣብ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ኣብ 99 ዓመት ዕድመኡ 14 ጥቅምት ከኣ ኣቡነ ኣረጋዊ ንደቀ መዛሙርቱ ኣጸናኒዑ ናብ በዓቱ ኣትዩ እናጸለየ ከሎ ገጽ ሞት ከይረኣየ ተሠወረ። ክሳዕ ጊዜ ምጽኣት ከይሞተ ከም ዝጸንሕ መጽሓፈ ገድሉ ይነግር።