ታሪኽ – ቤተ ክርስቲያን
ቅዱስ ኣቡነ አረጋዊ
ቅዱስ ኣቡነ አረጋዊ
ኣብ ኃሙሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምድረ ኣግዓዚ መንፈሳዊ ፍሬ ኣገልግሎትን ምንኵስናዊ ሕይወትን ዘፍረዩ ትሽዓተ ቅዱሳን እዮም። ሓደ ካብዞም ቅዱሳን ከኣ ጻድቕ ኣቦና ኣቡነ ኣረጋዊ እዩ።Read More
ጥንታዊ ገዳም ደብረ ቢዘን
ጥንታዊ ገዳም ደብረ ቢዘን
‘ትእምርተ ጽንዓት ሃይማኖት – ጥንታዊ ገዳም ደብረ ቢዘን’፦ ሚዛን፡ ማዕረ ማለት’ዩ። ከምቲ ወርቅን ብሩርን ብሚዛን ዝምዘን፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ደብረ ቢዘን ጻድቃንን ኃጥኣንን፡ ድኹማትን ፍጹማንን ዝምዘንሉ ገዳም እዩ። ገዳም ደብረ ቢዘን፥ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብመንገዲ ባጽዕ ካብ ኣሥመራ ኣስታት 25 ኪሎ ሜትር ንሸነኽ ምሥራቅ ርኂቑ ይርከብ። Read More
ኣቡነ ፊልጶስ ዘደብረ ቢዘን
አቡነ ብፁዓ አምላክ - 09 ግንቦት
አቡነ ብፁዓ አምላክ – 09 ግንቦት
ያፍቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያምን ዝበሃሉ ፍቅረ እግዚአብሔር ዘለዎም ብሃይማኖት ጽኑዓትን ብሥነ ምግባር ትጉሃትን ሰብ ኃዳር ነበሩ። ወትሩ ብጸሎት ንቑሓት ስለዝነበሩ፡ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ያፍቅረነ እግዚእ ብሕልሚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጽሉ፡- ‘እንሆ ከም ኤርሚያስን ዮሐንስ መጥምቅን ካብ ማሕፀን ኣደኡ ዝተኃርየ፡ ንብዙኃት ሰባት ምክንያተ ድኂን ዝኸውን፡ ስሙ ‘ብፁዕ’ እትሰምዮ ውላድ ኽትወልድ ኢኻ’ በሎ። Read More